ጁንታ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዕሊ እናንዳዕደዐ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል፣ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢሉ ገባር ከይፅገም ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ትራክተራትን ዝኣመሰሉ እታወታት ሕርሻ ንክባፅሑ ለይትን ቀትርን እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ንተግባራውነቱ እውን ርኡይ ውፉይነት ኣርእዩ እዩ።

መንግስቲ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ ውሳነ ደው ምባል ቶኽሲ ከቕርብ እንከሎ፤ ክራማት ከይሓለፈ ህዝብና ክሓርስን ክዘርእን፣ ከምኡ ድማ ሰብአዊ ሓገዛት ብህፁፅ ክባፃሕ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብተግባር ንምግላፅ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ንውልቃዊ ስልጣኑ እምበር ንህዝቢ ዘይግደስ ብምዃኑ ሓረስታይ ቀለብ ዓመቱ ተረጋጊዑ ከይሓርስ፣ ኣብ ወሳናይ እዋን ሕርሻ ናብ ኹናት እናዳጎኖ ይርከብ።

"ግዘ እንተለካ፣ ግዘ ኣይትፀበ" እዩ እሞ፤ ገባር ትግራይ ናይዚ እከይ ግብሪ ፃውዒት ኹናት ገዲፉ፣ ቆላሕትኡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ክገብር ፃውዒተይ የቕርብ።

ህዝቢ ከይጠሚ፣ እኹል ሓገዝ እኽሊ ብህፁፅ ክተኣኻኸብን ናብ ህዝቢ ክባፃሕን፣ ከምኡ ድማ ኸይዲ ተበፃሕነቱ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንክህሉ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ፀረ ህዝቢ ተመሊሱ ካብዝኣቱ ንነዘ ግን፣ ዝጠመየ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖ ንክዕንገልን ምስራሕ፣ እዚ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ ንጎድኒ ገዲፉ ንተወሳኺ ኹናትን ጥፍኣትን ይሸባሸብ ኣሎ። ካልእ ተሪፉ ንኣዋርሕ ኣብ መኻዚኖታት ዝተቐመጠ ሓገዝ ህዝቢ ብእዋኑ ከይባፀሐሉ ይገብር ኣሎ። እዚ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ተረዲኡ ህዝብና ብጥምየት ከይተጎድአ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ስራሕቲ ክስርሑ ድፍኢት ክገብር ይግባእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዕድሜኦም ዘይበፅሑ ህፃውንቲ ቆልዑት ክንዲ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ምስራሕ፤ ናብ ጦርነት አገዲዱ እናእተዎም ይርከብ። እዚ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባር ካብ ሙኻኑ ብተወሳኺ ንትውልዲ ቀፃልነትን ንዓለምለኸ ሕግን ደንታ ከምዘይብሎም ብዕሊ ዘረጋገፀ ተግባር እዩ።

መንግስቲ ፌደራል፣ እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ኮነ ኢሉ ዘፈራረሶምን ዘዕነዎምን መሰረተ-ልምዓታት፣ ብቢልየናት ባጀት መዲቡ ብምፅጋን፣ ግልገአሎት መብራህቲ ፣ ስልኪ፣ ባንኪን ካልኦትን ኣብ መላእ ትግራይ ክምለሱ፤ ከምኡ እውን ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለስን ህዝቢ መንግስቲዊ ግልጋሎት ክረክብን ክሰርሕ ፀኒሑ፤ ርኡይ ለውጢ እውን መፅዩ ምንባሩ ጋህዲ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ንዚ ልዑል ፃዕሪ ህዝብን ፌደራል መንግስትን ንድሕሪት ንምምላስ ርእኡይ ምንቅስቃስ እናገበረ ይርከብ።

ብሓፈሻ ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ጁንታ እንበር ፌደራል መንግስቲ ወይ ድማ ካልእ ኣካል ከምዘይኮነ ብተግባር እናርአየ ይርከብ። ስለ ዝኾነ እውን ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ዳግመ-ህንፀት ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ካብ ጓሓት ምሸት ከበሮ ኹናት ተናጊፉ ሓረስታይ ናብ ሕርሽኡ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ህዝቢ ዝደልዮ ግልጋሎት ክረክብ ንምግባር ኩሉ ክንቀሳቀስ ይግባእ።

//
The Psychology of TikTok Duets: Analyzing Collaborative Content